• ኣብ ህይወት፡ ንዝዀነ ሰብ ሽግር ክጋጥሞ ይኽእል እዩ። ገለ ሰባት፡ ብሽግር ካልኦት ዝስሕቁ ኣለው። ነቶም ሽግር ዘጋጠሞም ድማ፡ መሊሶም ዓቕሚ ከም ዘይብሎምን ዋጋ ከም ዘይብሎም ኰይኑ ከም ዝስምዖም ክገብሩ ዝጽዕሩ ኣለው።

  • ዝፈልጡዎ ሰብ፡ ጸጊሙዎ ብምርኣዮም ዝሕጎሱ ሰባት ኣለው። እዚኦም ንነብሶም ምስ ካልእ ብምውድዳር ስለዝመዝኑዋ ድማ ኲሉ ግዜ ነቲ ተሸጊሩ ወዲቑ ዘሎ እናኽርእዩ ይሕጎሱ።

  • እቲ ኣብ ካልእ ዝርእይዎ ዘለው ሽግር፡ ንእለቱ ኣብ ህይወቶም ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣይሓስቡሉን'ዮም። ህይወት፡ ተቐያያሪት እምበር ቀዋሚት ኣይኮነትን።

  • ሽግር፡ መስርሕ ህይወት ደኣ'ምበር ዘይቅየር ጽሕፍቶ ኣይኰነን።

  • ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ እመን። መገዶም ንዝጠፈኦም'ውን ቅኑዕ መገዲ ንክረኽቡ ሓግዞም።

  • ዝፈልጡዎ ሰብ፡ ጸጊሙዎ ብምርኣዮም ዝሕጎሱ ሰባት ኣለው። እዚኦም ንነብሶም ምስ ካልእ ብምውድዳር ስለዝመዝኑዋ ድማ ኲሉ ግዜ ነቲ ተሸጊሩ ወዲቑ ዘሎ እናኽርእዩ ይሕጎሱ።

  • ኣብታ ተስፋ ዝስእኑላ ህሞት ክተተባበዖምን፡ ኣብ ህይወቶም ድማ ከም ጩራ ብርሃን ብምዃን፡ ነቲ ዝጸልመቶም ንኽብርሃሎም ብዓቕምኻ ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ።

  • ሰባት ክሽገሩ ከለው ኣብ ህይወቶም ተስፋ ኣይርኣዮምን'ዩ። ተስፋ ንኽርኣዮም ሓግዞም።

  • ሰብኣውነት ማለት ብዛዕባ ካልኦት ምሕሳብን ንኻልኦት ሓልዮት ምርኣይን እዩ!

  • እቶም ሎሚ ዝጽግሞምን ዝሽገሩን ዘለው ሰባት፡ ካብቲ ዘለውዎ ህይወት ንምምሕያሽ ይቃለሱን ይጽዕሩን ዘለው ምዃኖም ዘክር።/p>

ብ ስዒድ ሳልሕ