Jul 26, 2020 ደብዳቤ ፍቅሪ
ዚያዳይ ብኣካል’ኳ ወትሩ ንራኸብ እንተዀንና ክንፈላለ እንከለና ግና ብናፍቖት’የ ሕምስ ዝብል። እቶም ልቢ ዘረስርሱ ጥዑማት ቃላትኪ ምስቶም ስሚዒተይ ዘባራብሩ ምጭዋት ከናፍርኪ ፈጺመ ኣይርስዖም’የ። ነቲ ኣብ ልበይ ንዘልኣለም ተኸይጢኪ መብራህቲ ዘልኣለመይ ክትኮኒ ዝሓረየልይ ልዑል ጎይታ ምስጋናይ ይብጻሓዮ ። ዚያዳይ ኣብ ልዕሌኻ ዘለኒ እምነት ምሉእ'ዩ፥ ፍቕሪ ዝምቅር፡ ብምልኣት ክትተኣማመንን እንከለኻ ምዃኑ ካብ ፍቕራዊ ጒዕዞና እኹል ኣብነት ኢዩ ። ብፍቕሪ ካብ እንጥመር ክሳብ’ዛ ደቂቅ እዚኣ፡ ህይወተይ ጣዕሚ እናወሰኸት ትኸይድ ኣላ። ኵሎም ጽቡቓት ነገራት ብፍቕሪ ከም ዝርከቡ ድማ ኣማን ብኣማን ኣራጋጊጸ ። ዚያዳይ ትማሊ ኣብ ስራሕ ከለኺ ብሞባይል ደዊለ ዓለመይ ምጽኣኒ እባ ናፊቐኪ ኣለኹ፡እንዳ በልኩኻ መዳምኪ ጽቡቕ ከም ዘይተሰምዓን፡ ቴለፎን ክትሕዚ ከም ዘይተፍቅደልኪ "ድሕር ሕጂ ቴለፎን ክትሕዚ" ከም ዘይብልኪ ክትሕብረኪ ከላ፡ ቴለፎንኪ ስለ ዘይዓጸኪያ ስሚዒያ ኢየ፡ ብሕርቃን ንድድ ኢለ’የ "እንጀራ ሑሱም" እንጀራ ኮይንኪ እምበር …ማኣስ ፈቲኪ ። ዚያዳይ ኣነ ኣብ ልዕሌኻ ዘለኒ ፍቕሪ ምሺ ከማን ዝያዳይ ልዕለይ ንስኻ ስለ ትፈልጢ ልብኺ እንተተዛረበትሉ ትሓይሽ ዚያዳይ እፍቅረኪ ኢየ እኮ ። ምኽንያቱ፡ ኣብ መንጎ ክልቴና ዘሎ ፍቕሪ ንሓጐስናን ቅሳነትናን ብዕጽፊ ከም ዘራብሖ ልብታትና ዝምስክርኦ ሓቂ’ዩ። ኣብ መንጎና ዘሎ ፍቕሪ ስደት ዝፈጠሮ ከልበትበት ፡ ከምቲ ዝደለ ጠንቀላዕላዕ እንተ ዘይብልናሉ ፡ ክብደቱ ብኸመይ ከም ዝገልጾ ክዛረብ’ኳ እንተዘይደፈርኩ፡ ሓንቲ ክብለኪ ዝደሊ ግን ክልቴና ንፍቕርና ስደት ዝኽፍለና ዋጋ ኣሕሊፍና ኣይንሃቦ። ዚያዳይ፡ ፍቕሪ ዝጠመረን ልብታትና ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ረጊጸን ንብሩህ መጻኢ ኣብ ዘማዕድዋሉ ዘለዋ ግዜ በጺሒና ኣለና እሞ ዝያዳ ብምትሕልላይን ብምፍቓርን ባህግና ከነስምርን መጻኢና ከነውሕስን’ዩ ኣለና ።