Jul 25, 2020 ዛንታ እዛ ስእሊ, ሰኣሊ ኪቨን ካርተር ኢዩ ዝብሃል
ደብብ ኣፍሪቃዊ ፎቶግራፈር ኢዩ ፡ በዛ ኣብ ላዕሊ ንሪኣ ዘለና ስእሊ ክልተ ግዜ ኢዩ ስሙ ተጸዊዑ ። እዛ ስእሊ ብዝሕ ግዜ ፖስት ክትከውን ተዓዚበያ ኢየ ፡ሎሚ ግን ብገለ በዚ NewYork Times ዘወር ምስ በልኩ ኢያ ፡ ዓንቂፋ ኣብ ውሺጣ ዘአተውትኒ ። ብዝሕ ውን የሕሲባትኒ ብ1993 ዓ.ም ኣብ ሱዳን ደርቂ ኣጋጢሙ ኔሩ። እዚ ከቪን ካርተር ዝተባህለ ሰኣላይ፡ ንሓንቲ ብጥምየት ትስሓግ ዝነበረት ቈልዓ ኣሞራ ክበልዓ እናተዳለወ እዩ ስኢልዋ ። ነታ ስእሊ ከኣ ንኒዮርክ ታይምስ ሸይጡሎም። እታ ቘልዓ ናብ’ቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት መዓስከር ረድኤት ገጻ’ያ ትንፈሓዅ ኔራ። ኣብ 1994 ከኣ ሽልማት Pulitzer ዓቲራ። ብኣመሪካን ማጋዚን ከኣ ናይ’ቲ ዓመት ዝበለጸት ስእሊ ተባሂላ። ብዙሓት ጋዜጣታት ከኣ፡ ካብ ግብረ ሰናይ ኣታዊታት ንምእካብ ደጋጊመን ኣሕቲመናኣ። ኪቨን ካርተር ዝናን ክብርን ውን ክረኽበላ ጀሚረ ።ድሕሪ ገለ ግዜ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሃለዋት እታ ቘልዓ ክሓቱ ጀሚሮም። ካርተር ስእሉ ወሲዱ ጠንጢኑዋ’ዩ ኸይዱ። ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ድማ፡ ስሙ ካብ ዝበለጸ ሰኣላይ ናብ "ዝጨከነ ሰኣላይ” ተቐይሩ። ነቐፌታታት በዚሑዎ ማሕበራዊ ክብሩ ምስ ተቐንጠጠ ድማ ርእሰ ቅትለት ጌሩ ካብዛ ዓለም ተሳናቢቱ ። ነዛ ምስ ኣንበብኩ ‘ወዲ-ሰብ ክርእያ ዘይትግባኦ' ስእሊ ኢለ ነቲ ስኣላይ ፈንፈንክዎ ፡ ኣነ ዳግማይ ናብዚ ምቅራበይ ውን ፥ ምስ ሕልናይ እንዳ ተባኣስኩ ኢየ ። እዛ ዛንታ ምስ ነብብካ ቅጅል ዝብለካ ሞያካ ብዘይስብኣውነት ክትሰርሖ ከም ዘይትክኡል ኢዩ ።